"Taeman Fqran" متن ترانه
"Taeman Fqran" اشعار به زبان آفر دارد.
معنی "Taeman Fqran" از زبان آفر می آید و در حال حاضر به ترجمه انگلیسی تبدیل نشده است.
ጣዕማን ፍቕራን ሓዲሩኒ ከመስግና ደሪኹኒ
ውሽጠይ እናገንፈለ ምስጋና ፈልፈለ ብምስጋና
ነታ ኣደ ፍቕሪ: ጸዋር ኣምላኽ ኣብ ከርሳ
ንድንግል ማርያም ኣግዚኣብሄር ዘንገሳ
ሓርዩኪ ልዑል ክትኮንክዮ ኣደ
ብርሃነይ ደሚቑ መድሕን ምስ ተወልደ
ይሰራሰር ልበይ ሓጎሱ ፈድፈደ
ብጽእቲ ካብ ዝብሉ ኮይነ ኣለኹ ሓደ
መንፈስ ቅዱስ ወሪድዋ ወዲሳትኪ ኤልሳቤጥ
ጸጋ መንፈስ ዝመልኦ የዕብየኪ ኩሉ ፍጥረት
ትሕትናን ንጽህናን ኣባኺ ዓዚዙ
ዓይኒ ማይ ከርስኺ ማይ ሕይወት ኣውሒዙ
ረሃቦት ናይ ኣዳም ንስኺ ሞገሱ
ረውየ ብወድኺ ነፍሰይ ተሓዲሱ
መንፈስ ቅዱስ ወሪድዋ ወዲሳትኪ ኤልሳቤጥ
ጸጋ መንፈስ ዝመልኦ የዕብየኪ ኩሉ ፍጥረት
እንጌራ ናይ ሕይወት ጽጋብ ስጋን ነፍስን
ወሊድክልና ወዲ ፈዋስን መድሓንን
ጣዕሚ ምድረ ሰማይ ትርጉም ስምኪ ማርያም
እናሻዕ ክሰምዖ ይህበኒ ሰላም
መንፈስ ቅዱስ ወሪድዋ ወዲሳትኪ ኤልሳቤጥ
ጸጋ መንፈስ ዝመልኦ የዕብየኪ ኩሉ ፍጥረት
ርህርህተ ሕሊና ፍቕሪ ዝድባባ
ዘይትቕየር ጸሓይ ዘይትጽምሉ ዕንበባ
ርግቢት ናይ ሰላም ማርያም ሩፍታ ህዝባ
ምሕረት ክወርደኒ ለምንለይ እባ
መንፈስ ቅዱስ ወሪድዋ ወዲሳትኪ ኤልሳቤጥ
ጸጋ መንፈስ ዝመልኦ የዕብየኪ ኩሉ ፍጥረት